Physicians for Human Rights
Organization for Justice and Accountability in the Horn of Africa (OJAH)
ዝተዓፀፈ ቃል፡- ምስ ኲናት ዝተተሓሓዘ ፆታዊ ዓመፅ ቅድምን ድሕርን
“ስምምዕ ምቁራፅ ጎንፂ” ኣብ ትግራይ ኢትዮጵያ
ፅሟቕ ትሕዝቶ
ኣብ ኲናት ትግራይ፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብተሳትፎ ወተሃደራዊ ሓይልታት ኤርትራን ብርክት ዝበሉ ናይ ክልላትን ብቢሄር ዝተጎጀሉ ምልሻታትን ካልኦት ዕጡቃት ሓይልታትን ዝተፈጠረ ጎንፂ ፡ መጠነ ሰፊሕ ዝኮነ ፆታዊ ዓመፅ ቀንዲ መግለፂ እዩ ኔሩ።
ጎንፂ ዘስዓቦ ፆታዊ ዓመፅI ከም ቀንዲ ባእታን ዋና መግለፅን ናይቲ ጎንፂ ምንባሩ ዝገልፁ ፀብፃባት ኣብ ክልቲኡ ማለትዉን ቅድሚን ድሕሪን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2013 ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተገበረ ምፍራም ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦታት ኔሮም እዮም። 1-3 ክኢላታት መፅናዕቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከቡ መዳርግቶም ብምኳን ኣብ ዘካየድዎ መፅናዕቲ፡ እቲ ጎንፂ ካብ ዝጀመረሉ እዋን (ሕዳር 2013) ክሳብ ሰነ 2015፡ ዕጡቃት ሓይልታት ኣረሜናውን ሰፊሕን ተግባራት ፆታዊ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀሙን እዞም ተግባራት ድሕሪ ምፍራም ዉዕሊ ስምምዕ እዉን እንተኮነ ከምዘይተቋረፁን የመላክት።
እዚ ጉጅለ መፅናዕቲ ሕክምናን ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣብ ትግራይ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ፣ ብዘይ መደብ ዝተመረፁ 305 ናይ ግዳያት ፆታዊ ዓመፅ መዛግብቲ ሕክምና ገምጊሙ እዩ። ቀንዲ ዕላማ እዚ ዳህሳስ፣ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ኣብ መንጎ ሕዳር 2013 ክሳብ ሰነ 2015 ዓ.ም ዝተፈፀመ ፆታዊ ዓመፅ ምድህሳ እዩ። ካብቶም ዝተዳህሰሱ 305 ናይ ሕክምና መዛግብቲ ኣብቶም 304 ኣብ ልዕሊ ካብ ሸሞንተ እስካብ 69 ዝዕድሜኦም ኣካላት፡ ምስ ጎንፂ ዝተተሓሓዘ ኣዝዩ መሰከፊ ዝኮነ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዘመላኽቱ ኔሮም።
ቁልፊ ርካቦታት
ኣብቶም ዝተገምገሙ ናይ ሕክምና መዛግብቲ፡ ዕጡቓት ሓይልታትን መንግስታዊ ወተሃደራትን ዝፈፅምዎ ጎንፂ ዘስዓቦ ፆታዊ ዓመፅ ዝተዋደደን መጠነ ሰፊሕን ምንባሩ ንፁር ምስሊ የርእዩ። ኩሎም ኣብቲ ጎንፂ ዝተሳተፉ ወገናት ፆታዊ ዓመፅ ክከላኸሉ፣ ደው ከብሉን ከምኡ’ውን ግዳያት መጥቃዕቲ ንዝገጠመን መጉዳእትን ካልኦት መዘዛትን ሪፖርት ገይረን ኣድላይ ክንክን ክረኽባን ምግባር ኣይከኣሉን።
መብዛሕትኡ ግዘ እቲ ፆታዊ ዓመፅ ብዕስለ እዩ ዝፍፀም ነይሩ። ብማእከላይ ገምጋም ሰለስተ ገበነኛታት
ኣብ ሓደ ጊዘ ሐቢሮም ይዕምፁ ኔሮም። ሓድሓደ ግዜ ድማ እቲ ተግባር ንምፍፃም ንግዳያት ብእሱር ይሕዙን ዕጥቅታቶም ይጥቀሙን ነይሮም። ትንተና ናይዚ ዳታ ከም ዘመልክቶ፡1 ብብዙሓት ገበነኛታት ዝተፈፀመ ዓመፅ፡ (76%፤ n=233) ኮይኑ፡ ብንፅል ገበነኛ ዝተፈፀመ ዓመፅ ድማ እስካብ 22% (n=68) ይበፅሕ። ኣብ 10 መዛግብቲ፡ ግዳያት ኣብ እዋን ምፍፃም ብዕስለ ገበነኛታት ዝተፈፀመ ዓመፅ፡ ኻብ ዓመፅ ሓሊፉ ፆታዊ ባርነትን ንነዊሕ ጊዜ ዓጊትካ ብምሓዝ ይግበር ምንባሩ ይሕብሩ። እቶም ፍፃመታት ብተደጋጋሚ ምስ ተግባራት ፆታዊ ዓመፅ ተተሓሒዙ ጠበንጃ ወይዉን ካልኦት መሳርሕታት ተጠቂምካ ዝተፈፀሙ ተወሰኽቲ ካልኦት ዓይነት ዓመፃት እዉን ዘጠቓልሉ እዮም ኔሮም። ብርክት ዝበሉ ፀብፃባት ከም ዘመላኽትዎ ቅድሚ ምዕማፆም፣ ኣብ ዝዕምፅሉ እዋን ወይ ዉን ድሕሪ ምዕማፆም፡ ንህፃናት ሓዊሱ ኣባላት ስድራቤት ናይ ግዳያት ከም ዝተቐተሉ ይገልፁ።
ብርኽት ዝበላ ግዳያት፣ መንነት ፈፀምቲ ፆታዊ ጥቅዓት ምልላይ ዝከኣላ እንትኮና፡ መብዛሕቲኦም ከዓ ዕጡቃት ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እዮም። ቀንዲ መፍለይ መንነት ኻብ ዝነበሩ ሓደ ቋንቋ እንትከዉን ኣብ ኤርትራን ትግራይን ዝዝዉተር ቋንቋ ትግርኛ2 ዝዛረቡ ዝፈፅምዎ መጥቃዕቲ 66% እንትሕዝ ኣብቲ 30% ከዓ እቶም ፈፀምቲ ተዛረብቲ ቋንቋ ኣምሓርኛ ኔሮም። ብተወሳኺ፣ 96% ፈፀምቲ ፆታዊ ጥቅዓት ብስሩዕን ብዘይስሩዕን መንገዲ ዝተዓጠቁ ኣካላት ምንባሮም ዝሕብር እንትከዉን 99% ግዳያት ድማ ቅድም ሐዚ ብዘይፈልጠኦም ኣካላት ዝተፈፀመ ምንባሩ ይሕብር። ዋላኳ በዝሒ እቶም ናይ ሕክምና መረዳእታታት ዕላዊ መንነት መጥቀዓይ ዝሕብሩ ኣይንበሩ፡ ኣብቶም 143 መረዳእታታት ግን እንተነኣሰ ሓደ ኣብ ጎኒ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብሙኳን ኣብ መላእ እዋን እቲ ኩናት (2013-2015) ይሳተፍ ናይ ዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ3 ወተሃደራዊ ክዳን ዝለበሰ መጥቀዓይ ምንባሩ ተሰኒዱ ይርከብ። ኣብ 16 መዛግብቲ ከዓ ደፈርቲ ኣባላት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ምኳኖም ከምዘለለየኦም የመላኽት። ብዝበለፀ መንገዲ መንነት ፈፀምቲ ጥቅዓት ንምልላይ ዘኽእሉ ዝነበሩ ከምኒ ሕብሪ ናይቲ ወተሃደራዊ ክዳን፣ መፍለይ ምልክት፣ ናይ ዝዛረብዎ ቋንቋ ኣደማምፃ ወይ ለሃጃ ግን ኣብቲ ናይ ሕክምና መዝገብ ኣይተሰነደን።
ግዳያት ፆታዊ ጥቅዓት ዋላኳ እቲ መጥቃዕቲ ዘኸተሎም ኣዝዮም ከበድቲ ናይ ሕክምና ጠለባት እንተሃለወን፡ ኣብ እዋኑ ብምምፃእ ዘድልየን ግልጋሎት ምርካብ ግን ኣይከኣላን። እቶም ናይ ሕክምና መዛግብቲ ዘመላኽትዎ ነገር እንተሃለወ ፣ ፆታዊ ዓመፅ ዘስዓቦም ከበድቲ ኣካላዉን ስነልቦናዉን ናይ ነዊሕን ሓፂርን ጊዜ ዝኾኑ ከምኒ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዝገጥም ከቢድ ናይ ስነልቦና በሰላ (PTSD) (13%) ፣ ሓያል ፅዕንዕንታ(17%)፣ ዘይተደለየ ጥንሲii (8%)፣ ኣብ መራብሒ ኣካለን ዝበፅሐ ከቢድ ጉድኣት ዘስዓቦም ፀገማት፡ (ኣብነት ሽንትን ሰገራን ዘይምቁፅጻር፣ ዘይንቡር መድመይቲ ማህፀን፣ ሙልቆ መህፀን፣ ከቢድ ቃንዛ ጎሎን ፊስቱላን) ዝኣመሰሉ ናይ ጥዕና መዘዛት ተራእዮም እዮም። እቶም መዛግብቲ ከምዘመላክትዎ፣ ምርመራ ካብ ዝተገበረለን ኣካላት ብርክት ዝበላ ግዳያት ጥንሲ (27% ካብተን ምርመራ ዝተገበረለን) ኢሉዉን ሰለባ ቫይረስ HIViii (11% ካብተን ምርመራ ዝተገበረለን) ኮይነን እየን።
እዚ መፅናዕቲ ግዳያት ናብ ማእከል ሕክምና ዝመፃሉ እዋን እዝዩ ዝደንጎየ ምንባሩ እዩ ዘርኢ። ብማእከላይ ፆታዊ ጥቅዓት ድሕሪ ምብፅሑ ሓሙሽተ ወርሒ ፀኒሐን እየን ናብ ትካላት ጥዕና ዝኸዳ ኔረን። ዋላኳ ቀንዲ ምኽንያት ምድንጓየን እንተዘይተፈለጠ (ፍርሒ ሕብረተሳባዊ መግለልቲ፣ ናይ ድሕንነት ፀገም፣ ዝቅፅል ዝነበረ ኲናት ዘስዓቦ ስእነት ትራንስፖርት፣ ግልጋሎት ዝህባ ትካላት ጥዕና ዘይምህላዉ ወ.ዘ.ተ) ቀንዲ ምኽንያት ድሒርካ ምምፃእ ኢሉዉን ብምሽጥር ናይምሓዝ ክኮኑ ይኽእሉ እዮም።
ዋላዉን ድሕሪ ምፍርራም ስምምዕነት ፆታዊ ጥቅዓት ከም መሳረሒ ኲናት ኮይኑ ይቅፅል ኣሎ። ኣብ ዳህሳስ እቶም ናይ ሕክምና መዛግብቲ፣ ድሕሪ ሕዳር 2015 ዝተፈፀሙ ብርኽት ዝበሉ ፆታዊ ጥቅዓታት ምህላዎም እዩ ዘርኢ። ካብ 305 መዛግብቲ 128 ድሕሪ ብ ሕዳር 2015 ዝተገበረ ምፍርራም ስምምዕነት ዝተፈፀሙ እንትኮኑ፣ እቶም 169 ግና ቅድሚ ዝተፈረመ ስምምዕ ዝተፈፀሙ እዮም። ድሕሪ ስምምዕነት ዝተፈፀሙ ጥቅዓታት ብባህሪ ኮነ መጠን ቅድሚ ስምምዕነት ምስ ዝተፈፀሙ ተግባራት ኣዝዮም ተመሳሰልቲ እኳ እንትኮኑ፡ ኣብ ዕሸላት ትሕቲ 18 ዕድመ ዝተፈፀመ ዓመፅ ግና (95%) ድሕሪ ምፍርራም ስምምዕነት ዝተፈፀመ ምንባሩ እዩ ዘርኢ።
መደምደምታ
መጠን፣ ዝርገሐን ቅዲ ኣፈፃፅማን ደፈርቲ ኣብ እዋን ኲናት ዝፈፀምዎ ፆታዊ ጥቅዓት ዘመላኽቶ ነገር እንተሃለወ፡ እዚ ጥቅዓት መጠነ ሰፊሕን ኣዝዩ ዝተዋደደን ምንባሩ እዩ። 9,10 እዚ ዉፅኢት ፅንዓት ቅድሚ ሐዚ ብ ዝተፈላላዩ ኣካላት ንህዝቢ ዓለም ምስ ዘቃለዕዎ ሓበሬታ ዝተሳነየ እንትኸዉን፡ 11-14 ፆታዊ ዓመፅ ከም መሳርሒ ኲናት ብምጥቃም ንፁሃት ዜጋታት ንምሽባርን ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ንምስኳንን ብምዉዓል ከቢድ ጉድኣት ምብፅሑ የረድእ።
ትሕዝቶ እዚ መረዳእታ እንትረአ፡ ኣባላት ሰራዊት ወይዉን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ርክብ ዘለዎም ክኾኑ ዝኽእሉ ዕጡቃት ሓይልታት፡ ብመንፅር ኣብ ሕጊ ሮማ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበንን ኣብ ዓለምለኻዊ ስነ-ፍርድን ዝተገለፀ፡ 15 ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘስዓቡን ከም ገበናት ኲናት
(ንኣብነት፡ ስቅያትን፣ ዘዋርድ ኣተሓሕዛ፣ ዓመፅ፣ ፆታዊ ዓመፅን፡ ፆታዊ ባርነትን) ከምኡ’ውን ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነት (ንኣብነት፡ ስደት፣ ስቅያት፣ ባርነት፣ ፆታዊ ባርነትን ዓመፅን) ዝፈፀሙ ምኳኖም የርኢ። እዞም ጥሕሰታት እዚኣቶም ነተን ግዳያት ዓብይ ጉድኣት ምስዓቦምን፡ እዚ ድማ ኣዝዩ መሰረታዊ ዝኾነ ግልጋሎት ሕክምናን ስነ-ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ስነልቦናዉን ደገፍ ከምዘድሊ የርኢ።
ማሕበረሰብ ዓለም ገበነኛታት ናይዞም ገበናትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ብሕጊ ክሕተቱን ሰለባ ዝኮኑ ኣካላት ከዓ ተበፃሕነት ፍትሒ ከምኡ’ውን ንሕውየቶም ዝድግፍ ኣድላዪ ሕክምናዊ ሓገዝን ካሕሳን ክረኽቡ ብንጥፈት ምስራሕ ኣገዳሲ እዩ። ብፍላይ ኣብ ኣምሓራን ካልኦት ክልላትን እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ፀጥታ፣16 ከምኡ እውን ብዛዕባ ኣብ ምክልኻል ግፍዒ ዘሎ ክፍተት ዝፈጥሮም ስክፍታታት ኣብ ግምት ብምእታው ነዞም ፈፀምቲ ኣካላት፣ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ስዒቡ ዝመፅእ ተሓታትነት ክህሉ እዩ ዝብል ግልፂ መልእኽቲ ከሕልፍ ይግባእ። ውፅኢት መፅናዕቲ ከም ዘመላክቶ፣ ሰባት ዘጋጠሞም ግህሰት ክሕብሩ፣ ተመኩሮታቶም ክስነድ፣ ከምኡ’ውን ተሓታትነት ዝምልከት መርትዖታት ብእዋኑ ክእከብን ብግቡእ ክዕቀብን ከምዝግባእን፣ እዚ ንምርግጋፅ ከዓ ቀፃልነንት ዘለዎን ነፃን ሰነዳታትን ንክህሉ ሓገዝን ክትትልን ኣገዳሲ እዩ።
ለበዋታት
ኢትዮጵያ ብመሰረት ውዕላት ስምምእ ሰላም መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ ክትፍፅም ግዴታ እኳ እንተሃለዋ፡ ንኣገባብ ክትትል ዝሕግዙ መዐቀኒታት እስካብ ሐዚ ንህዝቢ ይፋ ብዘይምኳኖምን እዚ ፀብፃብ ክሳብ ዝተሓተመሉ እዋን ተሓታትነት ክካተት ድዩ ኣይካተትን ዝተገለፀ ነገር የለን። ውፅኢት ፀብፃብና፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሰለፉ ሓይልታት ኣብ እዋን ኲናት ፆታዊ ዓመፅ ኣብ ምፍፃም ሕሉፍን ቀፃልን ተሳትፎ ከምዝነበሮም ይሕብር። ነዚ ተከቲሉ ከዓ፣ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሃገራዊ መንግስቲ ጥራይ ዝተደረከ ምርመራታት፡ ሰነዳታትን፡ ከምኡ’ውን መስርሕ ተሓታትነትን ፍትሕን ተኣማንነቶም ከጠራጥር ዘኽእል ርኡይ ምኽንያት ኣሎ17። ብመንፅር እዞም ርካቦታት፣ ብሰንኪ እናሓየለ ዝኸይድ ዘሎ ጎንፂ ኣብ ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያ ምህላዉ መፃኢ ሓደጋታት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣድሂቦም ዝሕተሙ ዘለዉ ሓበሬታታ ይዉስኹ ብምህላዎም፡ ንዝተፈፀመ ከቢድ ጥሕሰት፡ ተኣማንነት ዘለዎ ክትትል፣ ስነዳ፣ መርመራታት፣ ክሲ፣ ከምኡ’ውን ፍትሒ ንምርግጋፅ ካብ ዝግበር ሃገራዊ ፃዕሪ ብተወሳኺ ኣህጉራውን ዞባውን ስጉምቲታት ህፁፅ ኣድላይነት ኣለዎም።18,19
እዚ ፀብፃብ ዝዝርገሐሉ ዘሎ እዋን፣ ምጥሓስ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ሰብኣዊ ሕግን ኢሉዉን ከምኒ CoHAን ዝኣመሰሉ ስምምዓት ከምዘሎ መርትዖታት እናሃለወ፡ ብዙሓት ዘይሻራዉቲ ናይ መርመራ ኣገባባት ክዕፀዉ ዝኽእልሉ ባይታ ህልዊ ኣብ ዝመስለሉ ወቅቲ እዩ። ድሕሪ ት ስምምዐነት ደዉ ምባል ተኩሲ፡ ተግባራት መስርሕ ምፅራይ ኩነታት ዓለምለኻዊ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት (፡ ብቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ተኣዚዙ ዝነበረ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝፍፀሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ገበናት ግፍዒን ንምፅራይን ንምስናድን ከቢድ ስክፍታታት ተፈጢሩ እዩ። እቲ ኮሚሽን ኣብ ወርሒ መስከረም 2016 ንቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ፅማቕ ፀብፃብ ከቕርብ ትፅቢት ይግበር፡ እንተኾነ ግና ካብ’ቲ ግዜ ንላዕሊ ስልጣን ናይ ዉድብ ህቡራት መንግስቲ ኮሚሽን በአል ሞያታት ሰብአዊ መብቲ አብ ኢትዮጵያ ክሕደስ ከም ዘይክእል ዝሕብሩ ፅኑዕ ምልክታት ኣለዉ። እዚ ድማ ብኸፊል መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ሃገራዊ ኣገባባት እቲ ስምምእ ሰላም- ዝሃቦ ንሃገራዊ ኣገባባት መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ ሓዊሱ ንከይናዋሕ ብዝገበሮ ፀቕጢ እዩ20,21። ብተመሳሳሊ ብኮሚሽን ሰብኣውን ህዝባዊ መሰላት ኣፍሪቃ ዝተመስረተ መርማሪ ኮሚሽን ንጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕግን ንምፅራይን ንፍትሕን ተሓታትነትን ንምስዓብ ዝዓለመ ገበነኛታት ንምልላይ ጀሚርዎም ዝነበረ ምርመራ ብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ እዩ። ስልጣን ትብኮሚሽን ሰብኣውን ህዝባዊ መሰላት ኣፍሪቃ ዝተመስረተ መርማሪ ኮሚሽን ኣብ ቀረባ እዋን ርኽበታቱን ለበዋታቱን ዘርኢ ሓደ ፀብፃብ ቅድሚ ምሕታሙ ተቛሪፁ እዩ 22,23።
ኣብዚ ፀብፃብ ብዝቐረበ መረዳእታ መሰረት ሓካይም ሰብኣዊ መሰላትን (PHR) ኢትዮጵያውያን መዳርግቲ ኣካላትን ንዓለምለኻዊ፣ ኣህጉራዊ፣ ሃገራውን ውሽጣውን ተዋሳእቲ እዞም ዝስዕቡ ለበዋታት የቕርቡ፤
1. ንዝተፈጠሩ ከበድቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ገበናት ግፍዕን ዘይሻራዊ ስነዳታትን ተሓታትነትን ክህሉ ምውሓስን ምድጋፍን፤
2. ንኹነታት ህፃናትን መንእሰያትን ሓዊሱ ምስ ጎንፂ ዝተኣሳሰር ቀፃሊ ተግባራት ፆታዊ ዓመፅ ቀፃልን ናፃን ዘይሻራውን ብዝኾነ መንገዲ ምክትታልን ፀብፃብ ምርግጋፅን፤
3. ምስ ጎንፂ ዝተኣሳሰር ፆታዊ ዓመፅ ሓዊሱ ካብ ግዳያት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኮኑ ሰባት፡ ዘለዎም ኣረኣእያን ድሌታትን ትርጉም ዘለዎ ምላሽ ዝህብን ተኣማንን ዝተመጣጠነን መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ ምርግጋፅ፤ ከምኡዉን
4. ንኹሎም ምስ ጎንፂ ዝተኣሳሰር ፆታዊ ዓመፅ ዝበፅሖም ሰባት፡ ብዘይ ኣድልዎ፡ ኣገልግሎት ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕናን ኢሉዉን ካልእ ዓይነት ተግባራት ሕዉየትን ክረኽቡ ምምችቻው።
ነዞም ለበዋታት ንምትግባር፡ ስዒቦም ዝተፀርሑ ኣካላት እዞም ዝስዕቡ ስጉምትታት ክወሰዱ ንፅውዕ፤
ንፌደራላዉን ክልላዉን ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ
• ዓለምለኻዊ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ኢትዮጵያ ኣብ ዘቕርቦ ፀብፃባት ንቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት (A/HRC/51/46) ዘቕርቦ ኩሉ ለበዋታት ብጥብቂን ብቕልጡፍን ምትግባር፤
• ብኹሎም ተቖፃፀርቲ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣህጉራዊ፣ ከባብያውን ዓለምለኻውን ዘይመንግስታዊ ሰብኣዊ መሰላት ብዝግበር መርመራታት ምሉእ ብምሉእ ምትሕብባር፣ እዚ ድማ ናብ ኩለን ዞባታት ኢትዮጵያ ብዘይ ገደብ ምብፃሕን ስርሖም ኣብ ዝኽዉንሉ እዋን ፀገም ከይበፅሖም ምክልኻልን ምርግጋፅን፤
• ሚኒስትሪ ፍትሕን ሓይሊ ዕማም ተሓታትነትን ምእራም ጥሕሰትን ግህሰት ኢትዮጵያ፡ ብ መንፅር ዓለምለኻዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕግን፣ ብመሰረት ኣህጉራውን ዞባውን ደረጃታትን ሃገራዊ ሕግን፣ ገበናት ኲናት ወይ ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነት ከብፅሑ ዝኽእሉ ግህሰታትን ሓዊሱ፤ ወንጀል ዝመርሑ ወይ ኣብ ወንጀል ዝተሳተፉ ኣባላት ዕጡቓት ሓይልታት ኢትዮጵያ ስራሕ ደው ከብሉ፣ ክምርመሩን ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ምግባር
• ግዳያት ፆታዊ ዓመፅ ከምኡ’ውን ብፆታዊ ዓመፅ ብከቢድ ዝተጎድኡ ናይ ማሕበረሰብ ኣካላት፣ ኣብ
ምሕንፃፅ መሰጋገሪ ፃዕርታት ፍትሒ ትርጉም ብዘለዎ ኣገባብ፣ ብዘይ ሓደጋ ሕነ ምፍዳይ ክሳተፉ ከምዝኽእሉን፣ ኣረኣእያኦም፣ ድሕነቶምን ድሌታቶምን ቀዳምነት ከምዝወሃቦን ምርግጋፅ፤
• ፆታዊ ዓመፅ ንዝበፅሖም ኣካላትን ኣባላት ስድረኦምን ብሰንኮም ግዳይ ንዝኾኑ ኣካላትን ብዘይ
ኣድልዎ፡ ሕክምናዊ ግልጋሎት ሓዊሱ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ገደብ ምፍቃድን፣
• ንኹሎም ግዳያት ፆታዊ ዓመፅ ብዘይ ኣድልዎ፡ ብሕታውነቶም ምሉእ ብምሉእ ብምኽባርን ካብ ሕነ ምፍዳይ ሓለዋኦም ብምርግጋፅን፡ ግቡእ መአረምታን ካሕሳን ምርግጋፅን፡ ብነፃ እዋናውን እኹልን ሕክምናዊ፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ፣ ማሕበራውን ሕጋውን ግልግሎታት ምሃብ።
ንመንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ ንኹሎም ኣብቲ ጎንፂ ዘለዉ ወገናት፡
• ኩሉ ዓይነት ዓመፅ፡ ፆታዊ ዓመፅ፣ ፆታዊ ባርነትን፡ ከምኡ’ውን ካልእ ምስ ጎንፂ ዝተኣሳሰር ፆታዊ ዓመፅ ደው ምባል፤ ንሲቪላት ምሕላው፤ ከምኡ’ውን ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊ ሕግን ከምኡ’ውን ኣብ CoHA ዝተሰማምዑሉ መንገዲ ፆታዊ ዓመፅ ምኹናን፤
• ንኹሉ ዓይነት ዓመፅ ንፆታዊ ዓመፅን ሓዊሱ ንኹሉ ግህሰታት ብህፁፅ ንምክልኻልን ደው ንምባልን ብግልፂ ምኹናንን ትእዛዝ ምሃብን ከምኡ’ውን ነዚ ግህሰታት ምርመራን ምኽሳስን ንግዳያት ምምችቻው፤
• ንኸቢድ ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝፈፀሙ ኣካላት፡ ይቕሬታ ወይ ናፅነት ምሃብ ካብ ዝኾነ ይኹን ስምምዕ ሰላም ምግላልን፤
• ኩሎም ኣካላት ንህይወቶም ኣገዳሲ ዝኾነ ቀረብ ንዘድልዮም ሲቪላት ዘይሻራዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበፅሑ ምፍቃድን ምምችቻውን
ንማሕበረሰብ ዓለም
• ምሕዳስ ዕማም ዓለምለኻዊ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብንጥፈት ምድጋፍ፤
• ካብ 3 ሕዳር 2013 ጀሚሩ ተፃብኦታት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ዝተፈጠሩ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታትን ዝምልከት ንምስናድ ፅቡቕ ቅርፂ ዘለዎ፣ ቀፃሊ፣ ዘይሻራዊ፣ ነፃ ሰነዳትን ህዝባዊ ፀብፃብን ምርግጋፅ፡ ICHREE ንምቁራፅ ዘሎ ዉጥን ምፍሻል። እዚ ድማ ብ ዝተዳለወ መርትዖታት ንምዕቃብ ዝዓለመ ውጥን ከምኡ እውን ብተመሳሳሊ ስልጣን ዘለዎ ናይ ምርመራ ኣገባብ ምምዳብ የጠቓልል፤
• ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ግህሰት መሰላት ብግልፂ ዝተሳተፉ ሰባት ምርመራን ተሓታትነትን ብቕልጡፍ ምድጋፍ፣ ኮላይ ኣብ ብኣድማሳዊ ስልጣን (universal jurisdiction)
• መንግስቲ ኢትዮጵያ ንገበናት ግፍዒ ተሓታትነትን ፍትሕን ኣብ ምሃብ ብዘርእዮ ምዕባለታን ንዘርቅቆም ብህዝቢ ተቐባልነት ዘለዎም ንፁር መዐቀኒታትን፡ ንትግበራን ግዜ ገደብን ክቐውም ብዝሕግዝ መንገዲ ዘይሰብኣዊ ምወላ ቅድመ ኩነት ምግባር፤
• ኣብ CoHA ዝተሰማምዑሉ ውዕላትን ግዴታታትን ምሉእ ብምሉእ ከምዝተኸተሉ ምክትታልን ምርግጋፅን፤
• መስርሕ ዘቤታዊ ተሓታትነትን ፍትሕን፡ ዘይሻራዊ፣ ግሉፅ፣ ኣድልዎ ዘይብሉ፣ ካብቲ ጎንፂ ዝደሓኑ ሰባት፣ ንግዳያት ፆታዊ ዓመፅ ሓዊሱ ዘጠቓልል እንተኾይኑ ጥራይ ከምዝድገፍን፣ ከምዚ ዓይነት መስርሕ ኣብ ምውፋር ድሕነቶምን መሰሎምን ምርግጋፅ፤
• ኣብ መንጎ እቶም ግዳያት፣ ኣብ መንጎ ወሃብቲ ግልጋሎት ጥዕና፣ ኣኽበርቲ ሕጊን ፍትሕን ኣብ ዛዕባ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ ዘሎ ፍልጠት ንምሕያልን ዓቕሚ ንምህናፅን ምስ ጎንፂ ዝተኣሳሰር ፆታዊ ዓመፅ ንምርመራታትን ምኽሳስን ንምድጋፍን ካብ ግዳያት መፍትሒታትን ካሕሳታትን ንምርካብ ምምችቻውን ቴክኒካዊ ደገፍ ምሃብን።
• ኣብ ሰብኣዊ ደገፍ (ንህፃናትን መንእሰያትን ፍሉይ ክንክን ብምግባር) ካብ ጎንፂ ዝተኣሳሰር ፆታዊ
ዓመፅ ንዝደሓኑ ሰባት፡ ዝበፅሕዕም መጉድእቲ ዘገናዘበ ክንክንን ተግባራት ሕዉየትን ቀዳምነት ምሃብ።
ንቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ሓባራዊ መርማሪ ጉጅለ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን
• ኩሎም ኣብቲ ጎንፂ ዝተሳተፉ ወገናት ብፍላይ ኣብ ፀብፃብ JIT 2021 ዝቐረበ ለበዋታት #5ን #6ን ብፍላይ ድማ “ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን፡ ደቂ ተባዕትዮን ኣወዳትን ዝፍፀም ኩሉ ዓይነት ፆታዊ ዓመፅ ኮላይ ኣብ ሲቪላት ዝፍፀም ብመሰረት ፆታ ወይ ብሄር ዘድሃበ ጥቅዓት ምውጋድ፡” ከምኡ’ውን “ ንኹሎም ዕጡቓት ሓይልታትን ጉጅለታትን ንፁር፣ ህዝባውን ርጉፅን ዝኮነ ኩሉ ዓይነት ፆታውን ስርዓተ ፆታውን ዓመፅ (SGBV) ምስታፍ፣ ትእዛዝ ምሃብ፣ ዋላዉን ምክልካል ዘይምክኣል ክልኩልን ዘቕፅዕን ምዃኑ መምርሒታት ምሃብ።”59
ንኮሚሽን ሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ኣፍሪቃ
• ስልጣን መርማሪ ኮሚሽን ንምቁራፅ ዝወሰዶ ውሳነ ብቕልጡፍ ዳግማይ ክሓስበሉን ስልጣኑ እንተወሓደ ፀብፃብ ርኻቦታቱን ለበዋታቱን ኣቅሪቡ ከምዝዛዘም ምርግጋፅ።
መወከሲ/ References
1. Cessation of Hostilities Agreement between the Government of the Federal Democratic Republic of Ethiopia and the Tigray Peoples’ Liberation Front (TPLF) - Ethiopia|ReliefWeb. Published November 3, 2022. Accessed June 14, 2023. ▇▇▇▇▇://▇▇▇▇▇▇▇▇▇.▇▇▇/▇▇▇▇▇▇/▇▇▇▇▇▇▇▇/▇▇▇▇▇▇▇▇▇-▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇-▇▇▇▇▇▇▇▇▇-▇▇▇▇▇▇▇- governmentfederal-democratic-republic-ethiopia-and-tigray-peoples-liberation-front-tplf
2. Human Rights Watch. Ethiopia: Ethnic Cleansing Persists Under Tigray Truce. Published online June 1, 2023. Accessed August 2, 2023. ▇▇▇▇▇://▇▇▇.▇▇▇.▇▇▇/▇▇▇▇/▇▇▇▇/▇▇/▇▇/▇▇▇▇▇▇▇▇-▇▇▇▇▇▇-▇▇▇▇▇▇▇▇▇-▇▇▇▇▇▇▇▇-▇▇▇▇▇-▇▇▇▇▇▇- truce
3. Ethiopia war in Tigray: Eritrean soldiers accused of rape despite peace deal. BBC News. ▇▇▇▇▇://▇▇▇.▇▇▇.▇▇▇/▇▇▇▇/▇▇▇▇▇-▇▇▇▇▇▇-▇▇▇▇▇▇▇▇. 0Published February 15, 2023. Accessed August 2, 2023.
4. International Criminal Court. Elements of Crimes.; 2013. Accessed June 29, 2023. ▇▇▇▇▇://▇▇▇.▇▇▇-▇▇▇.▇▇▇/▇▇▇▇▇/▇▇▇▇▇▇▇/▇▇▇▇▇/▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇/▇▇▇▇▇▇▇▇-▇▇-▇▇▇▇▇▇.▇▇▇
5. Woldemikael TM. Language, Education, and Public Policy in Eritrea. African Studies Review. 2003;46(1):117-136. doi:10.2307/1514983
6. ▇▇▇ D, ▇▇▇▇▇▇▇ ▇▇, ▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇ ▇▇. Grammatical and Sociolinguistic Aspects of Ethiopian Languages. ▇▇▇▇ ▇▇▇▇▇▇▇▇▇ Publishing Company; 2021.
7. Translators without Borders. Language data for Ethiopia. Translators without Borders. Accessed June 29, 2023. ▇▇▇▇▇://▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇.▇▇▇/▇▇▇▇▇▇▇▇-▇▇▇▇-▇▇▇- ethiopia/
8. ▇▇▇▇▇ AL, Marks ▇. ▇▇▇▇▇▇▇▇▇ on Eve of Ethiopian Peace Draws Accusations of War Crimes. The New York Times. ▇▇▇▇▇://▇▇▇.▇▇▇▇▇▇▇.▇▇▇/▇▇▇▇/▇▇/▇▇/▇▇▇▇▇/▇▇▇▇▇▇/▇▇▇▇▇▇▇- ethiopiatigray-war.html. Published March 1, 2023. Accessed August 7, 2023.
9. ▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇ ▇▇, ▇▇▇▇ JHP, ▇▇▇▇▇▇▇▇▇ JC. Decision Pursuant to Article 15 of the Rome Statute on the Authorization of an Investigation into the Situation in the Republic of Kenya. Published online March 31, 2010.
10. Aranburu XA. Sexual Violence beyond Reasonable Doubt: Using Pattern Evidence and Analysis for International Cases. Leiden Journal of International Law. 2010;23(3):609-627. doi:10.1017/▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇
11. OHCHR, International Commission of Human Rights Experts on Ethiopia. Report of the International Commission of Human Rights Experts on Ethiopia. Human Rights Council, Fifty-first session; 2022. Accessed January 27, 2023. ▇▇▇▇▇://▇▇▇.▇▇▇▇▇.▇▇▇/▇▇/▇▇▇▇▇▇▇▇/▇▇▇/▇▇▇▇▇-▇▇▇▇▇▇▇/▇▇▇▇▇
12. Amnesty International. Ethiopia: “I Don’t Know If They Realized I Was a Person”: Rape and Sexual Violence in the Conflict in Tigray, Ethiopia. Amnesty International; 2021. Accessed January 11, 2023. ▇▇▇▇▇://▇▇▇.▇▇▇▇▇▇▇.▇▇▇/▇▇/▇▇▇▇▇▇▇▇▇/▇▇▇▇▇/▇▇▇▇/▇▇▇▇/▇▇/
13. “We Will Erase You from This Land”: Crimes Against Humanity and Ethnic Cleansing in Ethiopia’s Western Tigray Zone. Human Rights Watch; 2022. Accessed June 21, 2022. ▇▇▇▇▇://▇▇▇.▇▇▇.▇▇▇/▇▇▇▇▇▇/▇▇▇▇/▇▇/▇▇/▇▇-▇▇▇▇-▇▇▇▇▇-▇▇▇-▇▇▇▇/▇▇▇▇▇▇-▇▇▇▇▇▇▇- humanity-andethnic-cleansing-ethiopias
14. War Crimes, Crimes Against Humanity, and Ethnic Cleansing in Ethiopia. United States Department of State. Accessed June 27, 2023. ▇▇▇▇▇://▇▇▇.▇▇▇▇▇.▇▇▇/▇▇▇-▇▇▇▇▇▇- crimesagainst-humanity-and-ethnic-cleansing-in-ethiopia/
15. International Criminal Court. Rome Statue of the International Criminal Court. Published online 1998. Accessed May 23, 2023. ▇▇▇▇▇://▇▇▇.▇▇▇- ▇▇▇.▇▇▇/▇▇▇▇▇/▇▇▇▇▇▇▇/▇▇▇▇▇/▇▇-▇▇▇.▇▇▇
16. International Commission of Human Rights Experts on Ethiopia. Statement attributable to the International Commission of Human Rights Experts on Ethiopia on the security situation in the north-west. Published online August 10, 2023. Accessed August 11, 2023. ▇▇▇▇▇://▇▇▇.▇▇▇▇▇.▇▇▇/▇▇/▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇/▇▇▇▇/▇▇/▇▇▇▇▇▇▇▇▇-▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇- internationalcommission-human-rights-experts-ethiopia
17. ▇▇▇▇▇▇▇ ▇. The Ethiopian Human Rights Commission: A Champion of Transitional Justice? Harvard Law School | Human Rights Program. Published online August 4, 2023. Accessed August 11, 2023. ▇▇▇▇▇://▇▇▇.▇▇▇.▇▇▇▇▇▇▇.▇▇▇/▇▇▇-▇▇▇▇▇▇▇▇▇-▇▇▇▇▇-▇▇▇▇▇▇- commission-achampion-of-transitional-justice/
18. Reports of Mass Atrocities in Western Tigray. United States Department of State. Accessed August 7, 2023. ▇▇▇▇▇://▇▇▇.▇▇▇▇▇.▇▇▇/▇▇▇▇▇▇▇-▇▇-▇▇▇▇-▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇-▇▇-▇▇▇▇▇▇▇- tigray/
19. Multiple injuries as Ethiopian military, militia clash in Amhara: Sources | Conflict News | Al Jazeera. Accessed August 7, 2023. ▇▇▇▇▇://▇▇▇.▇▇▇▇▇▇▇▇▇.▇▇▇/▇▇▇▇/▇▇▇▇/▇/▇/▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇-▇▇▇▇▇▇▇-▇▇▇▇-▇▇▇▇▇▇▇-▇▇- amhara-injuries-reported
20. ▇▇▇▇▇▇ ▇. Ethiopia Demands Termination Of Mandate For UN Rights Experts | The Reporter | Latest Ethiopian News Today. The Reporter. ▇▇▇▇▇://▇▇▇.▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇.▇▇▇/▇▇▇▇▇/. Published December 17, 2022. Accessed August 8, 2023.
21. Ethiopia: Government’s effort to end mandate of UN human rights commission must be rejected. Amnesty International. Published March 3, 2023. Accessed August 6, 2023. ▇▇▇▇▇://▇▇▇.▇▇▇▇▇▇▇.▇▇▇/▇▇/▇▇▇▇▇▇/▇▇▇▇▇-▇▇▇▇▇▇▇/▇▇▇▇/▇▇/▇▇▇▇▇▇▇▇-▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇▇-▇▇▇▇▇▇- toend-mandate-of-un-human-rights-commission-must-be-rejected/
22. Threats to Terminate the Mandate of the International Commission of Human Rights Experts on Ethiopia. Human Rights Watch. Published February 28, 2023. Accessed August 8, 2023. ▇▇▇▇▇://▇▇▇.▇▇▇.▇▇▇/▇▇▇▇/▇▇▇▇/▇▇/▇▇/▇▇▇▇▇▇▇-▇▇▇▇▇▇▇▇▇-▇▇▇▇▇▇▇- internationalcommission-human-rights-experts-ethiopia
23. Standard A. News: AU rights commission quietly liquidates inquiry on ▇▇▇▇▇▇, removes trace of page from website. Addis Standard. Published July 11, 2023. Accessed August 8, 2023.
